Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር ብደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝምራሕ በረራ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር ሙሉእ ብሙሉእ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ በረራ ገይሩ።

እቲ መገዲ ኣየር ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣኽቢሩ።

ኣብቲ መዓልቲ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያ ብምግባር ናብ ዛንዚባር ዝገብሮ በረራ÷ ዋና ኣብራሪት፣ ሓጋዚት ኣብራሪት፣ መተኣናገድቲ በረራን ቴክኒሽያናትን ሓዊሱ ሙሉእ ብሙሉእ ብደቂ ኣንስትዮ ክምራሕ ገይሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ትራፊክ ኣየር እታ ኣውሮፕላን፣ ድሕንነት በረራን ቁፅፅር ፅዕነትን ከምኡ እውን መለክዒ በረራ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ከምዝሳለጥ ተሓሩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ÷ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቱ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝምርሑ በረራታት እንትገብር ንመበል 7 ግዘ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብቅድስት ተስፋዬ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.