Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 7 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2016 ዓ.ም ልዕሊ 7 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብዚ ዓመት ዓለም ለኸ ቁፅሪ በረርኡ ናብ 139 ክብ ከምዘበለ ተዛሪቦም።

በረራ ውሽጢ ዓዲ እውን 22 ከምዝበፅሐ ኣብሪሆም።

ስሉጥ፣ ተመራፅን ኣተኣማማንነቱ ዘረጋግፅ ዘሎ እቲ መገዲ ኣየር፥ ጉዕዞ መዕባልኡ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

መዕርፎ ነፈርቲ ያቤሎ፣ ሚዛን ኣማን፣ ጎሬ መቱ፣ ነጌሌ ቦረናን ደብረ ማርቆስን ኣብ ቀፃሊ ዓመት ከምዝዛዘመሙ ሓቢሮም።

ብማርታ ጌታቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.