Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ቦሌ ንከተማና ብዝምጥን ፅባቐ ዘበናዊ መሰረተ ልምዓታት ብምክታት ብስራትን ተወሳኺ ዓወትን ብምዃን ተዛዚሙ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መእተዊ በሪ ኣፍሪካ፣ ኢትዮጵያን ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ መገዲ ቦሌ ንከተማና ብዝምጥን ፅባቐ ዘበናዊ መሰረተ ልምዓታት ብምክታት ብስራትን ተወሳኺ ዓወትን ብምዃን ተዛዚሙ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ሰፊሕ ናይ መኪና፣ እግረኛን ብስክሌትን መገዲ፣ መኪና ደው መበሊ ፓርክታት፣ መፅዓኒን መውረዲን ታክሲን ኣውቶቢሰን፣ መናፈሻታት ህዝቢ፣ ሓምለዋይ ከባቢታት፣ ፋውንቴናት ወዘተ ብምክታት ኣዝዩ ብዝወቀበ መገዲ ብምህናፅ ንህዝቢ ኣገልግሎት ክፍቲ ገይርናዮ ኣለና ኢለን።

እቲ ስራሕ ንክዕወት ካብ ምፍላም ጀሚሩ ኣብ ጎንና ዝነበርኩም ኣካላት ብምልእኹም ክብሪን ምስጋናን አቕርብ ክብላ ገሊፀን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.