Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ፖለቲካ ኢትዮ-እስራኤል ተኻይዱ

አዲስ አበባ ፣ የካቲት 8 ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ንሰልሳይ ግዘ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ፖለቲካ ኢትዮ-እስራኤል ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብመርበብ ሓበሬታ ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ ዘተዃ ኣብ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቶካዊን ርክባት ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተመልኪቱ።

ኣብቲ መድረኽ መንግስቲታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብፍላይ ኣብ ፍርያት ኣቦካዶን ምርባሕ ኣትክልቲን ድሕንነት ሳይበር፣ ኢንቨስትመንት፣ ህዋ ሳይንስ፣ ቀረብ ሓይሊ ከምኡ እውን ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ብሃባር ንምስራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተገበሩ ዕላዊ ዑደታት ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብቲ መድረኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡ ንደሓር ዝተገበሩ ለውጢታት፣ ኣብ ቀረባ እዋን ንኽካየድ ዝተሓሰበ ብሄራዊ መረፃ፣ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊነወ ኣብቲ ክልል መንግስቲ እናካየዶ ብዛዕባ ዝርከብ ተግባር ሰብኣዊ ሓገዝን ዝምልከት ገለፃ ተገይሩ።

ኣብ ጉዳይ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ- ሱዳን እውን ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ፀገም ብሰላም ንምፍታሕ እናተገበረ ብዛዕባ ዘሎ ፃዕሪ ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብኣደራዳራይነት ሕብረት ኣፍሪካ እናተኻየደ ብዛዕባ ዘሎ ሰለስተኣዊ ድርድር ኢትዮጵያ ዘለዋ ቅዋም እቲ ድርድር ዝምልከት ገለፃ ተገይሩ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ብኢትዮጵያ ዝተትሓዙ ሃይማኖታዊ ቦታታት ሕድሳት ዝምልከትን ኣብ ኢዮሩሳሌም ማእኸል ባህሊ ኢትዮጵያ ክትከፍት ከምትደሊን ተገሊፁ ልዝብ ከምዝተገበረሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.