Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ዝኽረ-መቻል ካብ 1936 ክሳብ 2016 ዓ.ም ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ጋንታ ስፖርት መቻል ካብ ምስረትኡ ጀሚሩ በዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስፖርት ብመሰረት ዘመዝገቦም ዓወታት፣ ብዝነበሩ በድሆታትን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ጠመተ ዝገበረ ዘተ ተሳሊጡ።

እቲ ጋንታ ካብ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ “መቻል ለኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 80 ዓመት በዓሉ ኣብ ምኽባር ከምዝርከብ ይፍለጥ።

ናይ ሎሚ መዓልቲ ዘተ ኣካል እቲ ምኽባር እንትኸውን፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሰራዊት፣ ናይ ክብሪ ኣባላት እቲ ሰራዊት፣ ኣብቲ ጋንታ ዝነበሩ ስፖርተኛታት፣ ሞያተኛታት እቲ ዓውዲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሸን ተረኺቦም።

ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፥ እቲ ጋንታ ብዝገበረ ኣስተዋፅኦ ልክዕ ንምዝካርን ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምብፃሕን ይስራሕ ኣሎ ኢለን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.