Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ኮሚቴታት ኢኮኖሚ ሚኒስቴር ገንዘብን ኤምባሲ ፈረንሳይን ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳልሳይ መድረኽ ዘተ ኮሚቴታት ኢኮኖሚ ሚኒስቴር ገንዘብን ኤምባሲ ፈረንሳይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሰብ ሞያ ፋይናንስ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን፣ ሰብ መዚን ተወከልቲ ኩባኒያታት ፈረነስይን እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

ኩባኒያታት ፈረንሳይ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ክድግፉ ኣብ ዝኽእሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምኽክር ከምዝገብሩ ትፅቢት ይግበር፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዘፈር ዝሕደስ ሓይሊ ዘለዉ ማሕለኻታት ኢንቨስትመንትን መፍትሒታቶምን ብዝምልከት ልዝብ ክግበር ኢዩ፡፡

ድሕሪ ሰዓት ኣብ ዝህሉ ዘተ፥ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ኩባኒያታት ተጋቢዞም ተሞክሮኦም ኣብቲ መድረኽ ከቕርቡ ኢዮም ምባሉ ካብ ኤምባሲ ፈረንሳይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.