Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ምፍላጥ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ቻይና ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ምፍላጥ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ዴኤታ ኢንዱስትሪ ሃሰን መሃመድ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው፣ ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግዲን ማሕበራትን ኣዲስ ኣበባን ልኡኽ ቤት ምኽሪ ንግዲ ቻይናን ተሳቲፎም፡፡

ኣይተ ሃሰን መሓመድ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ ኢትዮጵያን ቻይናን ንነዊሕ ዓመታት ዝዘለቐ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኣለወን።

ንክልቲአን ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብር ኣማራፂታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብምስፋሕ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ ሕርሻ፣ ልምዓት ቴክኖሎጂን ካልኦት ዓውዲታትን ብሓባር ብምስራሕ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ንዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገብሩ ምትሕብባራት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መድረኽ ሓጋዚ ከምዝኸውንን ተዛሪቦም።

ተወካሊ ጉጅለ ልኡኽ ቻይናን ምክትል ፀሓፊ ሲፒሲን ሊዩ ዋይ ብግደኦም÷ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝፀንሐ ምትሕብባር ልምዓት ኣጠናኺራ ንምቕፃል ክትሰርሕ ኢያ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቢ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.