Fana: At a Speed of Life!

መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኢትዮጵያ ደገፍ ንዘድሊዮም 21 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኢትዮጵያ ደገፍ ንዘድሊዮም 21 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ንክገብሩ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋን ድልውነትን ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ሓደጋታት ደገፍ ዘድሊዮም 21 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ኣለዉ።

ካብ መንጎ እዚኣቶም እቶም ኣስታት 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ከምዝኾኑ ድማ ሓቢሮም።

ነቶም ወገናት መንገስቲ ኢትዮጵያ፣ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ዕለታዊ ምግቢ በቢዙሩ የቕርቡ ኣለዉ ኢሎም።

ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ኢትዮጵያ ንፀገም ተሳጢሖም ዝርከቡ ዜጋታት ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 149 ሺሕን 496 ሜትሪክ ቶን ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ እታዎታትን ከምዝተኸፋፈሉ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ልዕሊ 1 ሺሕን 562 ነጥቢ 76 ሜትሪክ ቶን መመድሓኒትን 4 ሺሕን 154 ሜትሪክ ቶን ሃነፅቲ ምግብታትን ነቶም ዜጋታት ምብፅሑ ኣረዲኦም።

ይኹን እንበር ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘሎ ቁፅሪ ዕለታዊ ተሓገዝቲ ልዑል ይኸውን ስለዘሎ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ እኹል ኣይኮነን ኢሎም።

ስለዝኾነ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኢትዮጵያ ደገፍ ንዘድሊዮም 21 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.