“መዕቀኒ ኣየማልኣን” ናይ ዝተብሃላ 41 ኣቢያተ ትምህርቲ ፍቓድ ተሰሪዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ“ትፅቢት ዝግበረለን መዕቀኒ ኣየማልኣን” ናይ ዝተብሃሉ 41 ኣቢያተ ትምህርቲ ፈቓድ ከምዝተሰረዘ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል መዚ ምቁፅፃር ትምህርቲን ፅሬት ስልጠናን ኣፍሊጡ።
ፍቓድ ዝተሰረለን ኣቢያተ ትምህርቲ÷ ፖሊሲ ትምህርቲ ብዘይምሕላወን መዕቀኒ ብዘይምምላእን ከምዝኾነ እቲ በዓል መዚ ገሊፁ፡፡
እቲ በዓል መዚ÷ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ተምሃሮ መዝጊበን ዘምህራ ኣቢያተ ትምህርቲን ፍቓደን ዝተሰረዘ ትካላትን ዕላዊ ገይሩ፡፡
በዚ ድማ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ተምሃሮ መዝጊበን ዘምህራ ኣቢያተ ትምህርቲ 1 ሺሕን 332 እንትኾና÷ ናይ ምምሃር ፍቓድ ከምዝተውሃበን ገሊፁ፡፡
ብካሊእ መዳይ 43 ኣበያተ ትምህርቲ ርእሰን ክኢለን ክቕፅላ ስለዘይከኣላ ፍቓደን ከምዝተሰረዘ ሓበሬታ እቲ በዓል መዚ ኣመልኪቱ፡፡
ካበዚ ብተወሳኺ 150 ኣቢያተ ትምህርቲ ጉዳየን ኣብ ከይዲ ከምዝኾነን ኣብ ቀፃሊ ከምዝግለፅን ተሓቢሩ፡፡
41 ኣቢያተ ትምህርቲ ድማ ፖሊሲ ትምህርቲ ብዘይምሕላውን መዕቀኒ ብዘይምምለአንን ፍቓደን ከምዝተሰረዘ እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ፡፡