መዕርፎ ነፈርቲ ነቀምቴ ተመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መዕርፎ ነፈርቲ ጉዲና ቱምሳ ነቀምቴ ተመሪቑ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)ን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ተረኺቦም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን እቲ ክልልን ተረኺቦም፡፡
ብ1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ወፃኢ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ከተማ ነቀምቴ ዝተሃነፀ መዕርፎ ነፈርቲ ጉዲና ቱምሳ ምምራቑ ናይ ነዊሕ ዓመት ሕቶ ምላሽ ዝሃበ ከምዝኾነ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተገሊፁ።