Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ሓደ ምስ ካሊእ ብምቅርራብ ሓድነቱ ንከጠናኽር ልዑል ግደ ኣለዎ-ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ሓደ ምስ ካሊእ ብምቅርራብ ሓድነቱ ንከጠናኽር ልዑል ግደ ኣለዎ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኢትዮጵያዊያን ብብዙሕ መገዲ ዝተዛመድና ብምዃና ካብ ዘረሓሕቑና ብዝበለፀ ዘቀራርቡናን ሓቢርና ንክንነብር ዘማዕበልናዮም ክብርታትን ይዛይዱ ኢሎም።

በቢዓመቱ እነኽብሮ በዓል ንዘበናት ኣዛሚዶሙና ዘለዉ ክብርታት ሓድነት ብዝበለፀ ብምጥንኻር ብእወንታዊ ፍቓድን ማዕርነትን ህዝብታት ዝተመስረተ ሃገራዊ ሓድነት ሱሩ ንክሰድድ ተወሳኺ እታዎት ብዝኾነሉ ኣገባብ ክኽበር ይግባእ ክብሉ ከሊፆም።

መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ነናይ ባዕሎም ባህሊን ማንነትን ዘለዎም ህዝብታት ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ኣብ ሓደ ቦታ ዝራከብሉ ህብረ ብሄራዊ ፅባቐ ኢትዮጵያን ፀጋ ብዙህነትን ደሚቑ ዝግለፀሉ በዓል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ሓድነት ብምጥንኻር ኢትዮጵያዊነት ክብ እነብለሉ ዝለዓለ ግደ ዘለዎ በዓል ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ብየሻምበል ምሕረት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.