Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ውሽጢ ኣፈላላይ ዘሎ ሓድነት ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ-ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 14 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብኣሰናዳእነት ክልል ኦሮሚያ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ብዝደመቐ ኩነታት ተኸቢሩ።

ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኸባ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ፀገማትና ብሓባር ብምዃን ብምይይጥን ብምዝርራብን ብሓባር ክንፈትሕ ይግባእ ክብላ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት፥ እቲ በዓል ኣነባብራ፣ ባህልን ክብሪን ህዝብታት ንምርኣይን ሓድነቶም ንምጥንኻርን ከምዝሕግዝ ተዛሪበን።

ናይቲ ሓደ ረብሓ ናይ ኩሉ ትንሳኤ ከምዝኾነ ክንሓስብ ይግባእ እውን ኢለን።

ስለዝኾነ “ኩላህና ብሓንቲ ጀልባ ከምእንጓዓዝ ሓሲብና ብሓባር ክንሰርሕ ይግባእ” ክብላ ገሊፀን።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ብግደአን፥ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ምኽባር ኣብ ውሽጢ ኣፈላላይ ዘሎ ሓድነት ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ ክብላ ገሊፀን።

እቲ ዕለት ንሓድነት፣ ማዕርነትን ናይ ሓባር ተረባሕነትን ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ብምሕባር፥ ካብ ሓድነት ንላዕሊ ኣፈላላይ ኢዩ ዘጉልህ ዝብል ባህጊ ብዙሃነት ኣይውክልን ኢለን።

ብዙሃነት ብዴሞክራሲያዊ መገዲ እንተተመሪሑ ፍልፍል ጥንካረ ከምዝኸውን አገንዚበን።

ይኹን እምበር ብምንፅር ምጥንኻር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብቐፃልነት ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢረን።

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝነበሩ ዓወታት ምጥንኻርን እቶም ዝነበሩ ፀገማት ምቕራፍን ይግባእ ኢሎም።

ብምድፍፋእ ዘይኮነስ ብሓድነትን ብሓባርን ብምዃን ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

መበል 14 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ “ ሕገ መንግስታዊ ቃል ኪዳንና ንዘላቒ ሰላምና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ተኸቢሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተሳተፍቲ ኮይኖም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.