Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 117 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል “ብፈተናታት እናተሃነፀ ዝመፅአ ሰራዊት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምኽባር÷ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ላዕለዋይ ኢታመዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፣ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል፣ ኣባላት ሰራዊት፣ ሓርበኛታት፣ ነበር ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል፣ ስድራ ሰራዊትን ዕድመ ዝተገበረሎም ሲቪሊያንን ተረኺቦም፡፡

ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ብመስዋእትነት ዘኽበረ ሰራዊት ምክልኻል ዘበናዊ ወታደራዊ ውዳበን ጦር ሰራዊትን ኮይኑ ካብ ዝውደብ ንደሓር ሎሚ መዓልቲ መበል 117 ዓመት ከምዝሓዘ ኣብ ምኽባር እቲ በዓል ተገሊፁ፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ካብ ምኽባርን ምሕላውን ሓሊፉ ብዝተፈላለዩ ሰላም ኣፍሪካን እስያን ኣብ ምኽባር መስዋእትነት ብምኽፋል ሃገራት ሰላም ንኽኾና ናይ ባዕሉ ብፅሒት እናተዋፀአ ከምዝፀንሐ ተላዒሉ፡፡

ንኣብነት ድማ ኣብ ከይዲ ምኽባር ኣብ ኮሪያ፣ ኮንጎ፣ ላይቤሪያ፣ ርዋንዳ ፣ ቡሩንዲ፣ ሱዳን ዳርፉርን ኣብ ደቡብ ሱዳን ግዝኣት ኣብዬን ሰላም ልዑለል ግደ ከምዝተፃወተ ተሓቢሩ፡፡

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንኽኸውንን ከም ኣልሸባብ ዝበሉ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምድምሳስ ዘኹርዕ ተጋድሎ ከምዝፈፀመ እውን ተገሊፁ፡፡

እቲ ሰራዊት ኣብዚ ሕዚ እዋን እዋኑ ዝበፅሖ ቴክኖሎጂ ጦር መሳርሒ ካብ ምዕጣቕ ሓሊፉ ንባዕሉ ብስልጠናን ድሉውነትን እናብቀዐ ዝኾነ ይኹን ወፍሪ ብብቕዓት ምፍፃም ኣብ ዘኽእሎ ቁመና ከምዝርከብ ብኣፅንኦት ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣብቲ በዓል ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ “ሰራዊትና ብፈተና ዝሓለፈ ዘይናጋዕ መኸታ ሃገር ብምዃኑ ሃገር ካብ ፈተና ዘድሐነ ኢዩ” ኢለ።

ሰራዊት ምክልኻል ዘጋጥሙዎ ፈተናታት ንደሓር ዘትርፉ ዘይኮኑ ብዝበለፀ ንቕድሚት ንኽጓዓዝ ዝገብሩን ዘጠናኽሩዎን ከምዝኾኑ እውን ገሊፀን፡፡

ብኣለምሰገድ ኣሳዬን ሶሎሞን ይታየውን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.