Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ምገባ ቤት ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሻምናይ ሃገር በቆል መዓልቲ ምገባ ቤት ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይኽበር ኣሎ።

እቲ መዓልቲ ስርዓት ዕድጊት ጠለብ ምግቢ ውሽጢ ሃገርን ዞባዊ ቀረብ እሴትን ብምድንፋዕ ሃገር በቆል ምገባ ቤት ትምህርቲ ኣፍሪካ ብምርግጋፅ ትምህርቲ ምምሕያሽ ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፅኡ መዳርግቲ ኣካላት እናተሳተፉሉ ዝርከቡ መድረኽ፥ ሃገር በቆል ምገባ ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣብ ኣፍሪካ ንምጥንኻር ዝከኣለሎም መገዲታት ዝእንፍት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ሃገራት ኣፍሪካ ሃገር በቆል ምገባ ቤት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዞባዊ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ክጥቀማ ምግባር ርኡይ ለውጢ ከምዝፃወት ተገሊፁ።

34 ሃገራት ኣፍሪካ ቀዳማይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ምገባ ትምህርቲ እናሰርሓ ከምዝርከባ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ሓዊሱ ተወከልቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ተወከልቲ ውድብ ሕቡራ መንግስታትን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ተረኺቦም፡፡

ብቅድስት ኣባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.