Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲታት ጳጉሜን ብብርኪ ሃገር ብድምቀት ንምኽባር ምድላው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓሙሽቲአን መዓልቲታት ጳጉሜን ድሮ ሓዱሽ ዓመት ብብርኪ ሃገር ብዝተፈላለዩ ምድላዋትን ስያመን ብድምቀት ንምኽባር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ከምዝተዛዘመ ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ ኣፍሊጦም።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣከባብራን ስያመን ድሮ ሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ.ም ሓሙሽተ መዓልቲታት ወርሒ ጳጉሜን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ ኣብ መግለፂኦም፥ ንኢትዮጵያዊያን መልእኽቲ እንኳዕ ንድሮ ሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ.ም ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

መዓልቲታት ወርሒ ጳጉሜን ኢትዮጵያዊያን ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ ተስፋ ዝቕበሉሉ መሰጋገሪ ድልድላት ከምዝኾና ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት መዓልቲታት ወርሒ ጳጉሜን ሓድነትን ሕብረትን ዜጋታት ብዘጉልህ መልክዑ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ከምዝተኸበራ ኣዘኻኺሮም።

ናይዚ ዓመት መሰጋገሪ ሓሙሽተ መዓልቲታት ጳጉሜን እውን ብዝተፈላለዩ ደመቕቲ ምድላዋት ንምኽባር ምድላው ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።

ብመሰረት እዚ፤ “1-ጳጉሜን መዓልቲ ምስጋር፣ 2-ጳጉሜን መዓልቲ ሪፎርም፣ 3-ጳጉሜን መዓልቲ ሉኣላዊነት፣ 4-ጳጉሜን መዓልቲ ሕብሪን 5-ጳጉሜን መዓልቲ ፅባሕ” ብዝብሉ ሓሙሽተ ስያመታት ብድምቀት ከምዝኽበራ ገሊፆም።

እተን መዓልቲታት ብብርኪ ሃገር ኣብ ኩለን ክልላት፣ ምምሕዳር ከተማታት፣ ኣብ መላእ ዓለማት ዝርከቡ ኤምባሲታት ኢትዮጵያን ኣባላት ኮሚኒቲን ከምዝኽበሩ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.