መዐወኒ ሓሽሽ ብዶብ ሱዳን ከየኣቱ እናተቖፃፀረ ምዃኑ ፖሊስ ፌዴራል ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ክልኦት ኣካላት ፀፅታን ብምዃን ብዶብ ሱዳን ኣቢሉ መዐወኒ ሓሽሽ ከየኣቱ ልዑል ቁፅፅር እናገበረ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ብሱዳን ድንበር ኣብ ሰገር ተከዘ ዝዓረደ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ምንቅስቓሱ ብምክትታልን ዓፀፋዊ ግብረ መልሲ ብመሃብ ልኡኽትኡ እናተዋፅአ ከምዝኾ ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ሓላፊ ዲቪዥን 3 ዳይሬክቶሬት ሰሜን ኮማንደር እንየው ኣለባቸው ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ግምባር ሑመራ ዝተሰለፈ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብምዃን እቲ ጁንታን ልኡኻቱን ብዶብ ሱዳን ናብ ሃገር ከየኣትዉን ናብ ሱዳን ከይሰግሩን መተንፈሲ ብምስኣን ተስፋ እናስአኖም ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
እቲ ጁንታ ኣብ ማይካድራ፣ ሑመራን ከባቢኣን ጨፍጫፍ ፈፂሙ ናብ ሱዳን ብምስጋር ሓይሉ ንምጥንኻር ይፈትን እምበር ናይ ምውራር ሕልሙ በቶም ኣካላት ፀፅታ ክተዓናቐፍ ተገይሩ ኢዩ ኢሎም፡፡
ዝካየድ ኲናት ኣብ ጉድጓድ ተሓቢኡ ከምብሓዱሽ ወረራ እናፈፀመ ምስ ዝርከብ ሓይሊ ብምዃኑ፥ ሕብረተሰብ ብንቕሓትን ጥንቃቐን ንሰራዊት ምክልኻል ሓበሬታ ብመሃብ ዝተለመደ ምትሕብባሩ ኣጠናኺ ከምዝቐፀለ ኣመላኺም፡፡
እቲ ጁንታ ከምዓቢዪ መሳርሒ ዝጠቀመሉ መዐወኒ ሓሽሽ ከይዘዋወር ኣብ ዶብ ልዑል ቁፅፅር እናተገበረ ይርከብ ዝበሉ ኮመንደር እንየው፥ ነዚ ድማ ማሕበረሰብ ሑመራን ከባቢኣን ምስጋና ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።