መውሊድ ነቢዩ መሓመድ እንትነኽብር ኣስተምህርኡ ብምዝካር ክኸውን ኣለዎ-ሚኒስትር ቀጄላ መርዳሳ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ልደት ነቢዩ መሓመድ እንትነኽብር ኣስተምህርኡ ብምዝካር ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ ተዛሪቦም።
እቲ በዓል ኣብ ዝኽበረሉ ዘሎ ኣንዋር መስጊድ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቢዩ መሓመድ ሩህሩህን ደቂ ሰባት ብፍትሓውነት ንክነብሩ ዝተቓለሱን ከምዝነበሩ ገሊፆም።
ልዕል ደቂ ሰባት ንእንስሳትን እፅዋትን ዝሓዝኑ፣ ሚዛናዊ ፍርዲ ወሃቢን በደል ደቂ ሰባት ኣጥቢቖም ዝቃወሙን ከምዝነበሩ እውን ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እቲ በዓል እንትነኽብር ዓቕሚ ንዘይብሎም ብምድጋፍ፣ ዝሓመሙ ብምሕታት፣ ፍቕሪን ምድግጋፍን ብምርኣይ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ብተወሳኺ ልደት ነቢዩ መሓመድ እንትነኽብር ኣስተምህርኡ ብምዝካር ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ኣገንዚቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።