Fana: At a Speed of Life!

መንግስት ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲን ፅንፈኛታት ሓይሊታት ዝጀመሮ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታህሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስት ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ፣ ፅንፈኛታት፣ ብስርቂን ብረብሓ ዝተኣሳሰሩን ሓይሊታት ዝጀመሮ ወፍሪን ስጉምቲን ሕብረተሰብ ብዘሳተፈ መገዲ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ሸነኽ ሰሜን እዛ ሃገር ዘጋጠመ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ናብ ዘኽእል ስምምዕነት ሰላም ብምሽግጋር ካብኣ ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ትፍፅም ከምዘላ ሓቢሮም።

ይኹን እንበር እቲ ስምምዕ ሰላም ዕረፍቲ ዝኸልኦም ግብረ ራዕዲታት፣ ፅንፈኛታት፣ ብስርቂን ብረብሓ ዝተኣሳሰሩን ጉጅለታት ብተናፀለን ብሓባርን ብምዃን ብኣኽረርቲ ሚዲያታቶም ተሓጊዞም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ብፍላት ኣብ ወለጋ ሁውከትን ናዕቢን ብምፍጣር ንፁሃን ዜጋታት ብምቕታል፣ ብምምዝባል ከምኡወን ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ፀፅታ ጉድኣት ከምዘብፅሑ ገሊፆም።

ንብረት መንግስቲን ውልቀ ሰባትን ከምዘዕነዉ እውን ኣረጋጊፆም።

እቲ እኩይ ተግባሮም ኣብ ተካላት ትምህርቲ ማእኸል ብምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምስፋሕ ዓሊሞም ይሰርሑ ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ መናእሰይ ኣምሓራን ኦሮሞን ባዕሎም ንባዕሎም ንክጣፍኡ ብዘኽእል መገዲ ነዚ ኢሎም ብዝወደብዎ ሚዲያ ብገሃድ ይሰርሑ ኣለዉ ኢሎም።

ውሱናት ሕጊ መሰረት ገይሮም ዝተወደቡ ሓይሊታት እውን እቲ ጉዳይ ሓላፍነት ብዝጎደሎ መገዲ የቃልሑ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ዕላማ እቶም ጉጅለታት፥ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ስርቂ ዝኸፈቶ ወፍሪን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ፃዕሪ ሰላምን ኣብ ጫፍ ንከይበፅሕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ እቶም ጉጅለታት ብረብሓ ዝተኣሳሰሩ፣ ካብ ናዕቢን ሁውከትን ወፃእ ዕላምኦም ዘይዕወት፣ ማዕርነት ዘይቕበሉን ሰላም ዝፀልኡን ኢዮም ኢሎም።

ብመሰረት እዚ መንግስት ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ፣ ፅንፈኛታት፣ ብስርቂን ብረብሓ ዝተኣሳሰሩን ሓይሊታት ዝጀመሮ ወፍሪን ስጉምቲን ሕብረተሰብ ብዘሳተፈ መገዲ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።

መንግስቲ፥ ሕቶኦም ብዘተ፣ ድርድርን ሰላማዊ መገዲን ንምፍታሕ ንዝደሊዩ ሓይሊታት በሩ ክፍቲ ከምዝኾነ ድማ ኣረዲኦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.