Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላውን ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ሰብኣዊ ደገፍ ንምቕራብን ብቑርፀኝነት ይሰርሕ ኣሎ – ቤት ፅሕፈት ቀ/ሚ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላውን ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብን ሰብኣዊ ደገፍ ንምቕራብ ብቑርፀኝነት ይሰርሕ ምህላዉ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ካብ ዝጅምረሉ እዋን ብሚኒስቴር ሰላም ዝምራሕ ኮሚቴ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ከምዝተወደበ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

እቲ ኮሚቴ ኣባላት ጉጅለ ህወሓት ንፍትሒ ንምቕራብ ኣብ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብቐጥታ ፅዕንቶ ንዝበፅሖም ክፋላት ማሕበረሰብ ብብሄራዊን ኣጋር ትካላትን ኣቢሉ ሰብኣዊ ደገፋት ናይ ምትእኽኻብን ናይ ምክፍፋልን ስራሕ ክፍፅም ከምዝፀንሐ ተሓቢሩ።

እቲ ኮሚቴ ኣብቲ ከባቢ መዕዛቡ ስዒቡ ቀዳማይ ዙር ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ደገፋትን ብመንግስቲ ፌዴራል ኣቢሉ ንኽከፋፈል ከምዝተገበረ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።

ዕጡቓት ጉጅለ ህወሓት ምንቅስቓስ ኣብ ዝገብረሎም ዝነበሩ ከባቢታት ንዝተወሰነ ጊዜ እቲ ሰብኣዊ ደገፍ ከምዝዘንገዐ ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር፥ መቐለ ኣብ ቁፅፅር ድሕሪ ምውዓላ ግን እቲ ኩነታት ከምዝተቐየረ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ዙር ሰብኣዊ ደገፍን ናውቲታት ሕክምናን ሓዊሱ ናብ ዳንሻ፣ ወልቃይት፣ ቃፍታ ሑመራን ደባርቕን ከምዝተኸፋፈለ ተገሊፁ።

29 ሕዳር 2013 ዓ.ም ድማ 18 ሺሕን 200 ኩንታል ደገፍ ምግቢ ዝፀዓና 44 ከበድቲ ተሽከርከርቲ ናብ ከተማ ሽረ ከምዝኣተዋ ተዛሪቡ።

ብተመሳሳሊ 5 ሺሕን 500 ኩንታል ደገፍ ምግቢ ናብ ኣላማጣ፣ 7 ሺሕ ኩንታል ሕሩጭን 12 ሺሐን 500 ኩንታል ደገፍ ምግቢ ናብ ከተማ መቐለ ከምዝተልኣኸ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ፅዕነት መካይን ኣቕርቦት ሕክምና እውን ናብ መቐለ ከምዝተልኣኸ ብምግላፅ፥ ፅባሕ ከምዝከፋፈል ኣፍሊጡ።

ወደ ሽረ እና አዲግራት ከተሞችም በሰባት ከባድ ተሽከርካሪዎች የህክምና አቅርቦቶች መሰራጨታቸው ተጠቁሟል።

ሰብኣዊ ደገፍ ንዜጋታት ክልል ትግራይ ንምቕራብ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሰነድ ስምምዕነት ከምዝተፈረመ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.