Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ፌዴራልን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ብምትሕብባር ብዝሰርሑዎ ስራሕ ዘዕግብ ውፅኢት ተረኺቡ ኢዩ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሳላሳይ ዘበን ስራሕ መበል 14 ስሩዕ ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ትግራይ ክልል ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ መንግስቲ ፌዴራልን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ብምትሕብባር ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

በዚ ድማ ብዙሓት ዓወታት ከምዝተመዝገቡ እውን ኣብሪሆም።

ምስ ድርድር ተተሓሒዙ፤ እቲ ድርድር ግልፂ ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ይለዓል ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ይኹን እመበር ትኽክል ከምዘይኮነን መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ድርድር ግልፂ መብርሂ ከምዝሃበን ተዛሪቦም፡፡

ድሕሪ እቲ ድርድር እንታይ ተረኺቡ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝመለሱሉ እዋን፤ እቲ ቀዳማይ ስራሕ ፀገም ትራንስፖርት ምፍታሕ ምኽኣል ከምዝኾነ ዝገለፁ እትኾኑ÷ ትራንስፖርት ኣየር ምኽፋቱ ብዙሕ ፀገም ክፈትሕ ከምዝኸኣለን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቐዲሞም ተፀጊኖም ግልጋሎት ዝጀመሩን ኣብ ፅገና ንዝርከቡን መዕርፎ ነፈርቲ ልዕሊ ፍርቂ ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝገበረ ገሊፆም፡፡

ግልጋሎት ቴሌ ምጅማሩ ከምዝተጀመረ፣ ልዕሊ 1 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ፅገና ኦፕቲካል ፋይበር ኣብም ምስራሕ ብዙሕ ወፃኢ ከምዝተገበረን ኣብ 10 ከተማታት ትግራይ ቅድሚ ሕዚ ዘይነበረ ግልጋሎት ራብዓይ ትውልዲ (4 ጂ) ከምዝተጀመረን እውን ኣብሪሆም፡፡

ተበታቲኾም ዝነበሩ መስመራት ኤሌክትሪክ ብምፅጋን ግልጋሎት መብራህቲ እናሃቡ ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

ባንኪ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 600 ናይ ባንኪ ጨንፈራት ዝጎደሎም ተስተኻኺሉ ፤ ብሄራዊ ባንኪ 10 ቢሊየን ብር ተወሳኺ ገንዘብ ብመሃብ ምንቅስቓስ ባንኪ ክጅመር ከምዝኸኣለን ኣብ መብዛሕተኦም ቦታታት ግልጋሎት እናተውሃበ ከምዝርከብን ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ኩለን ካልኣይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲን ኩለን ዩኒቨርሲቲታትን ትምህርቲ ክጅመር ከምዝኸኣለ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ “እዚ ምዕዋት ዝተኽል ብናፃ ኣይኮነን፤ ሚኒስቴር ትምህርቲ ምስ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ብዝሰርሑዎ ልዑል ፃዕሪን ወፃኢን ኢዩ” ኢሎም፡፡

“ኣብ መዳይ ጥዕና እውን ሆስፒታላት ጣቢያታት ጥዕናን ስራሕ ጀሚረን ኢየን ብዙሕ ዝጎድለን ነገር ኣሎ ኢዩ፤ ይኹን እምበር ብዝተሓተ መጠን እውን እንተኾነ ግልጋሎት እናሃባ ይርከባ” ኢሎም፡፡

ኢንዱስትሪ ብዝምልከት ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ 217 ኢንዱስትሪታትን 17 ፋብሪካታትን ስራሕ ከምዝጀመራ ገሊፆም፡፡

“ሕርሻ ብዝምልከት ድማ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ 630 ሺሕ ሄክታር ከምዝተሓረሰ፣ ሚኒሰስቴር ሕርሻ ዝተወሰነ ሓገዝ ትራክተርን መዳበሪያን ክገብር ከምዝኸኣለ፤ ሕዚ ድማ 500 ትራክተራት ነቲ ክልል ተገዚአን ኣብ ወደብ ጂቡቲ በፂሐን ኣለዋ፤ 300 ዝኾኑ ፓምፕታት ማይን ሓገዝ ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

እዚ ክስራሕ ዝኸኣለ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምዝታይን ብምምይያጥን ብዝገበሩዎ ልዑል ስራሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ይኹን እምበር ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ጉድኣት ልዑል ስለዝኾነ ካብዚ ንላዕሊ ምስራሕ ከምዘድሊን ተወሳኺ ስራሕቲ ንምስራሕ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

ዝተመዛበሉ ኣብ ምምላስ ሕቶ መሬት ይግበአኒ ሕጋዊ ብዝኾነን መልክዑን ጎንፂ ካብ ዝዕድም ኣግባብን ምፍታሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.