Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ፀገም ክሌማዊ ለውጢ ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣሎ – ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፀገም ክሌማዊ ለውጢ ንምፍታሕ ስትራቴጂ ብምሕንፃፅ ኣብ ተግባር እናውዐለ ከምዝኾነ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ገሊፀን።

ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ እናተኻየደደ እንትኸውን÷ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍጹም ኣሰፋ(ዶ/ር) ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂበን ሓሰብን ኣካፊለን፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ብበጀት መንግስቲ ግምቶም 82 ቢሊየን ብር ዝኾኑ ፕሮጀክታትን ፕሮግራማትን ከምዝተተግበሩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክሌማዊ ለውጢ ቀንዲ ማሕለኻ ዕቤትን ህልውና ሕብረተሰብ እናተፈታተነ ዝርከብ ፀገምን ከምዝኾነ ብምርዳእ÷ ሃገራዊ ክሌማዊ ለውጢ መጠዓዓሚ ትልሚን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2050 ዝትግበር ናይ ነዊሕ እዋን ትሑት ምልቃቕ ካርበንን ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ስትራቴጂ ልምዓት ብምሕንፃፅ ኣብ ተግባር እናውዐለ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ብጭቡጥ ኣብ ተግባር እናወዓሉ ካብ ዝርከቡ መርሃ ግብሪታት ሓደ ሓምለዋይ ኣሰር ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጥራሕ 25 ቢሊየን ንደኒ፣ መኖን ምግብነትን ዝውዕሉ ዝራእቲ ፍረምረን ብምትካል ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ምስ ዝግበር ፃዕሪ ጎድና ጎድኒ ኢትዮጵያ ንባዕላ ብምግቢ ንምኽኣል ትገብሮ ፃዕሪ ክድግፍ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፀን፡፡

እቲ ተበግሶ ንጎረባብቲ ሃገራት ዝተርፍ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኩሉ ሓገዝ ክገብር ከምዝግባእ እተን ሚኒስትር ኣገንዚበን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.