Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ንምጥፋእ ዝገብሮ ፃዕሪ ንድግፎ ኢና – ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ፓርቲታት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ንምጥፋእ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምዝድግፉን ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ድሉዋት ከምዝኾኑን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሊጦም።

ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኦሮሚያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ተዛቲዩ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

እቶመ ፓርቲታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ፀፅታን ምስ መንግስቲ ተሓባቢሮም ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

መንግስቲ፥ ህልውና ሃገር ንምጥፋእ ዝተለዓሉ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ንምጥፋእ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ድሉዋት ከምዝኾኑን ኣብሪሆም።

ብወራር እቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ኣድላዪ ሓገዝ ክንገብር ኢና ክብሉ እውን ኣብቲ ሓበራዊ መግለፂኦም ኣመልኪቶም።

ኣባላት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ናቱ ደገፍቲ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ትካላትን ካብ ዘጋውሑዎ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ክዕቀቡን ኣብ ሕሶት ተደሪኾም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገር ዝተሰሓሓተ ቅዋም ክሕዙ ከምዘይግባእን እቶም ፓርቲታት ኣተሓሳሲቦም።

ብዳግማዊ ዴግሲሳ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.