Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ጃፓንን ዩኒሴፍን ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 38 ሚልየን ብር ፅገናን ምስፍሕፋሕን ኣብያተ ትምህርቲ ከሳልጡ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ተራድኦ መንግስቲ ጃፓን(ጃፓን)ን ዩኒሴፍን ብሓባር ብምዃን ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣቢያ ነጋሽ ብልዕሊ 38 ሚልየን ፅገናን ምስፍሕፋሕን ኣብያተ ትምህርቲ ከምዘሳልጡ ተገሊፁ።

ርእሰ ምምሕዳር ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልል፣ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ሺባታ ሂሮኖሪ፣ ተወከልቲ ዩኒሴፍን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ መዓልቲ እተን ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ዝዓነዋ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ፅገናን ሰራሕቲ ምስፍሕፋሕን ንምግባር ዘኽእል ስነስርዓት ዕላዊ ገይሮም።

ንፅገናን ስራሕቲ ምስፍሕፋሕን እተን ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ልዕሊ 38 ሚልየን ብር ከምዝተሰለጠ እውን ተሓቢሩ።

ዩኒሴፍን ጃይካን፥ ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዓዲዓይኖም፣ ኣብ ወረዳ ሰቡሓ ሳዕሲዕ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ወልዋሎ አውን ፅገናን ምስፍሕፋሕን ንክገረሉ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.