Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ዘመሓላለፎ ውሳነ ሰላም ተቐባልነት ዘለዎ ስጉምቲ ከምዝኾነ ዝተፈላለያ ሃገራት ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ሃገራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ ብዝብል ጎንፂ ጠጠው ንምባል ምውሳኑ ንኢደን።

ኣውስትራሊያ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝደልዩ ዜጋታት  ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ጎንፂ ጠጠው ንምባል ምውሳኑ ከምትድግፍ ኣፍሊጣ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ቅልጡፍ ምላሽ ንመሃብ እውን ክልቲኦም ወገናት ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ክዋፅኡ ይግባእ ክትብል ፃውዒተ ኣቕሪባ፡፡

ብተመሳሳሊ  ስዊድን፥ መንግስቲ የኢትዮጵያ ንሰብዓዊነት እትበሃል ዘመሓላለፎ ውሳነ ሰላም ተቐባልነት ዘለዎ ስጉምቲ ከምዝኾነ ገሊፃ።

እቲ ውሳነ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ንኽቅዕ ኩሎም ወገናት ሓላፍነቶም ብዝግባእ ክዋፅኡ ክዝግበኦም ኣተሓሳሲባ ኣላ፡፡

ስዊድን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ ዜጋታት ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ምግላፃ ካብ ኤምባሲ ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.