Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ዝሃቦ ዕድል ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ናብ ሰለማዊ ህይወት ንክምለሱ ፃውዒት ቀሪቡ 

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ዝሃቦ ዕድል ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ናብ ሰለማዊ ህይወት ንክምለሱ ፃውዒት ቀሪቡ።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዋና ኣማኻሪ ርክብ ህዝብን ዓውዲ ኣወዳድባን እቲ ክልል ይርጋ ሲሳይ፥ ኣብ ኣምሓራ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ሓይሊታት ፀፅታ ፌዴራልን ክልልን ብመሰረት ዝወሰድዎ ጠንካራ ስጉምቲ ዘተባብዕ ለውጢ መፂኡ ኣሎ ኢሎም።

ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ዘሎ መሓውር ፀፅታን መንግስቲን ከምብሓዱሽ ብምውዳብን ብምጥንኻርን ብመሰረት ዝተሰርሐ ስራሕ ኣብ ኣብዝሓ ከባቢታት ሰላም ከመዝነገሰ ኣረዲኦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ካብ ክልል ክሳብ ጣቢያታት ሓይሊ ፖሊስን ምልሻን ዝተዋደደ ስራሕ ብምስራሕ፣ ብስልጠና ብምጥንኻር ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ሰላም እቲ ከባቢ ብዝተማልአ ኩነታት ናይ ምኽባር ስራሕ ከምዝፍፀም ተዛሪቦም።

መንግስቲ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ዝሃቦ ዕድል ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ናብ ሰለማዊ ህይወት ንክምለሱ ፃውዒት ምቕራቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.