Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ግደ ክብ ንምባል ደገፍ ክገብር ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ዘለዎ ግደ ክብ ንምባል ደገፍ ክገብር ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም።

ካልኣይ ዙር ሃገር ለኸ መድረኽ ምንቕናቕ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ “ሃገር በቆል ተወዳዳሪ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ንምዕባለ ኢትዮጵያ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ እንትኸውን፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ይሳተፉ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ብንምዕባለ ሓንቲ ሃገር ወሰንቲ ካብ ዝኾኑ ተግባራት ብቐዳምነት ዝስራዕ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ዓውዲ ንሙስናን ሌብነትን ዝተጋለፀ ከምዝኾነ ዝተዛረቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብ ስርቆት ነፃ ዝኾነ ህንፀት ብምክያድ ናብ ምዕባለ ምብፃሕ ከምዝከኣል ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኩባኒያታት ካብ ሙስናን ሌብነትን ብዝፀረየ መገዲ ብምስራሕ ንምዕባለ ሃገር ክሰርሑ ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.