Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣመስጊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ንቀዳማላይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ምስጋና÷ “ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)  ኣብ ጎርጎራ ምስ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ብምዃን ብዛዕባ ክብሪ ሃገርን ረብሓ ህዝቢን ብዝርዝር ድሕሪ ምዝታይ፤ 4 ግንቦት 2016 ዓ.ም ኩሎም ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ሚኒስትራትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ውቅብቲ ከተማ ባህርዳር ብምርካብ ካብ ዓለምና ዝዓበየ ሩባ ኣብ ዝኾነ ሩባ ኣባይ ዝተሃነፀ ዓብዪ ድልድል መሪቖም ስራ ኣጀሚሮምልና” ኢሎም።

“ነዚ ሰናይ ተግባሮም፤ ብሽም ህዝቢ ክልልናን መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲን ምስጋናይ ብልዑል ኣኽብሮት የቕርብ” ክብሉ ገሊፆም።

ንክልል ኣምሓራ ኩለመዳይ ልምዓትን ምርግጋፅ ሰላምን ንኽጠቅም ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓብዪ ድልድል ኣባይ ብምርካብ ንዘበረታትዑ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ሚኒስትራትን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን እውን ኣመስጊኖም።

ነበርቲ ከተማ ባህርዳር ከምዚ ዝበሉ ዘበን ዝሳገሩ ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኺም ንኽቕፅሉ፤ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ንዘርአዩዎ ሓድነትን ሕብረትን ከተማ ባህርዳር ሰላማን ልምዓታን ንኽረጋገፅ በቢብርኩ ምስ ዝርከቡ ኣራርሓ መንግስቲ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ንኽሰርሑ እውን ፀዊዖም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ “ኣብ በረኻ ትርከቡ ኣሕዋትና እውን ብሓቂ ካብ ረብሓን ክብሪን ህዝቢ ክልልና ወፃእ ካሊእ ሕቡእ ዛዕባ እንድሕር ዘይሃሊዩኩም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዘቕረቡልኩም ፃውዒት መሰረት ፀገማትና ብዘተን ብድርድርን ንኽንፈትሕ ህዝብና እውን እፎይ ንኽብል ዳግም ፃውዒተይ የቕርብ” ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ኣንፃራዊ ሰላም ብዝበለፀ ንኽግውድን ስራሕቲ ልምዓት እንተይተኣጓጎሉ ተጠናኺም ንኽቕፀሉ፤ መላእ ህዝቢ እቲ ክልል ዘይትካእ ግድኡ ንኽዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.