Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ እቲ ቀጠና ለቒቑ ዝወፅአ ንህዝቢ ዕረፍቲን ሰላምን ዕድል ንመሃብ ኢዩ – ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ እቲ ቀጠና ለቒቑ ዝወፅአ ንህዝቢ ዕረፍቲን ሰላምን ዕድል ንመሃብ እምበር ናይ ቆንፂ ቀጠና ንምቕያር ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ መንግስቲ ተገዲዱ ዝኣተዎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝበፅሐ ጉድኣት ዓቢዩ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

መንግስቲ ተወሳኺ ክሳራ፣ ጉድኣትን ህልቂትን ህዝቢ ንምትራፍ ሰብኣዊነት መሰረት ዝገበረ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ከምዝወሰነ ገሊፆም፡፡

እቲ ውሳነ በይናው ምቁራፅ ተኹሲ፥ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ከምኡ እውን ኣብ ሉኣላውነት ሃገር ዘንፀላለዉ ሓደጋታት ኣብ ግምት ዘእተወን ተተሓሓዝነት ዘለዎም ምኽንያታትን ተሓሰብቲ ዝገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ናይ ጎንፂ ቀጠና ለቒቑ ክወፅእ ዝኸኣለ፥ “ኣይተዓጅቡና ኣይትከተሉና ንሕና ብዝተመቸወና መገዲ በይንና ተንቀሳስና ሓገዝ ክነብፅሕ ኢና” እናበሉ ንዝነበሩ ኣካላት ዕድል ንመሃብ ከምዝኾነ እውን ኣይተ ሬድዋን ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም፡፡

ውሳነ መንግስቲ፥ ፍተሻ ኣብ ዝግበረሎም ኬላታት ይለዓሉልና፣ ብፍተሸ ዝተኣጓጎል ስርዓት ኣየሃሉን ናፃ ገይርኩም ልቐቑና ብዝብል ድፍኢት እናገበሩ ንዝነበሩ ኣካላት መልሲ ዝሃበ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ጎንፂ ጠጠው ብምባል ውሳነ ምቁራፅ ተኹሲ ግበሩ እሞ ሓገዝ ብቐሊሉ ምብፃሕ ዝከኣለሉ ኩነታት ይፈጠር፣ ሓረስቶት እውን ናብ ሕርሸኦም ይእተዉ እናበሉ ንዝናበሩ ኣካላት መልሲ ዝሃበ ኢዩ ኢሎም፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ንጎኒ ብምባል መፍረስቲ ተግባራት ኣካይዱ ኢዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ሬድዋን፥ ትካላት ረድኤት እውን መንግስቲ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እናቕረቡዎም ዝነበሩ ግቡኣት ዘይኮኑ ክሲታት ሕዚ እውን ከምዝቐፀሉ ኣዘኻኺሮም፡፡

ናይ ወፃኢ ሃገራት ይኹኑ ብሽም ርዳእታ ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዮም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዶም ዘእትዉ ኣካላት መንግስቲ ኣይዕገስን ኢሎም፡፡

ብሽም ሓገዝ ነቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣፅዋር ንምዕጣቕ ዝግበሩ ፈተነታት ከምዘለዉን መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ እዋን ፅምዋ ለውጢ እንተዘይሃሊዩ ሃገር ንምድሓን ክብል ውሳንኡ ዳግም ከምዝፍትሽ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብ መግለፂኦም፥ ህወሓት ብገበን ኲናት ዓለም ዘሕትቶ ንህፃናት ናብ ውትድርና ናይ ምእታው ተግባር ዓለም ለኸ ትካላት ብኣወንታ ምርኣየን ተቐባልነት ዘይብሉ ጉዳይ ከምዝኾ እውን ኣብሪሆም።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እቲ ተግባር ብፅኑዕ ንኽኹንኖ እውን ፀዊዖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.