Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ እስራኤል ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝኸውን ሓገዝ ናውቲ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲን ህዝቢን እስራኤል ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝኸውን 14 ቶን ሓገዝ ናውቲ ገይሮም።

መንግስቲ እስራኤል በቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ምኽንያት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ ዜጋታትን በቲ ኲናት ንዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝኸውን ግምቱ 14 ቶን ዝኾነ መሕለዊ ፅሬት፣ ክራንች፣ ዊልቸርን ዝተፈላለዩ ናውቲ ሕክምናን ንሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣረኪቦም፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ሚኒትር ደቀቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ፥ መንግስቲ ህዝቢን እስራኤል ንዝገበሮ ምስጋና ብምቕራብ እቲ ሓገዝ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ታሪኻዊ ምሕዝነት ክብ ካብ ምግባሪ ንላዕሊ ኣብ ቀፃሊ ዝህሉ ምትሕብባርን ሕውነትን ብዝበለፀ ክጠናኸር ዝገብር ኢዩ ኢለን፡፡

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣለልኝ ኣድማሱ ብግደኦም፥ ዝተገበረ ሓገዝ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ዝተገበረ ከምዝኾነን መንግስቲ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ማሕበራዊን ጥዕናን ዓውዲታት እናገበሮ ዝርከብ ኩለመዳይ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምሕባሮም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.