Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ “ኤምባሲ ሩሲያ ምልመላ ቁፃር ውትድርና ኣውፂኡ” ዝብል መሰረት ኣልቦ ወረ እቲ ኤምባሲ ውድቂ ምግባሩ ንኢዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ “ኤምባሲ ሩሲያ ምልመላ ቁፃር ውትድርና ኣውፂኡ” ዝብል መሰረት ኣልቦ ወረ እቲ ኤምባሲ ውድቂ ምግባሩ ምግባሩ ከምዝንእድ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምባሲ ዝኾነ ዓይነት ምልክታ ቁፃር ከምዘይቕበልን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1961 ስምምዕነት ርክብ ዲፕሎማቲክ ቪየና ከምዘኽብር ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኤምባሲ ኣብ ተመሳሰልቲ ግቡኣት ዘይኮኑ ናይ ቁፃር ጉዳያት ተስማዕሚዑ እንተተረኺቡ ስምምዕነት ርክብ ዲፕሎማቲክ ቪየና ዝጥሕስ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ንተግባር ዲፕሎማቲክ ሚሲዮን ዝፃረር ከምዝኾነ ይፍለጥ።

እቲ ስምምዕነት ካብ ምጥሓሱ ብተወሳኺ ዲፕሎማቲክ ሚሲዮናት ሕጊን ደምቢን ሃገር ዘይምኽባር ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኤምባሲ ንዝወሰዶ ቅልጡፍ ስጉምቲ ናእድኡ ምግላፁ ካብ ሚኒሰስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.