Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ኩለመዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኬንያን ማላዊን ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ትማሊ ቀዳም 3 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ብመርበብ ሓበሬታ ኢዩ ተሳሊጡ።

ኢትዮጵያ ካብ ውሽጣ ብዝተበገሱ ከሓድቲ ሉኣላዊነታ ናብ ሓደጋ ዘውደቐ፣ ጭካነን መሕፈሪን ተግባር ዝተፈፀመሉ ኩነታት ንምልዋጥ፣ ሕጊ ንምኽባር፣ ሓሓታታይነት ንምርግጋፅ መንግስቲ ዘካየዶ ቅልጡፍን ውፅኢታዊን ልኡኽቶ ብሓገዝን ምትሕብባርን ህዝቢ፣ ብዝተዋደደ ቖራፅ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ዝተፈላለዩ ሓሊታት ፀፅታን ሓቢሮም ብምውዳቕ ዝተረኸበ ዓወት ናይ ኩሉ ዓወትን ኩርዓትን ከምዝኾነ ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን፥ ኣብ ኬንያን ማላዊን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብዚ ወሳኒ እዋን ንዘርአዩዎ ሃገራዊ ስምዒትን ንዝገበሩዎ ሓገዝን ብምምስጋን፤ መንግስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ኩለመዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ንተሳተፍቲ ገሊፆምሎም።

ኣብቲ ኢሰብኣዊ ተግባር ዝተሳተፉ ውልቀሰባት ናብ ሕጊ ንምቕራብ መንግስቲ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ እውን ኣብሪሆም።

ዓመት 2013 ንግድብ ህዳሰ ወሳኒ እዋን ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝነብሩ ኢትጵያውያን ዝጀመሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ሓቲቶም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተሳተፍቲ እቲ ዘተ መግለፂ ቅዋም ዘውፅኡ እንትኾኑ፥ ንዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ዕድጊት ቦንድ እውን ፈፂሞም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.