Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምጥያሽ ምስ ሱዳንተ ተሓባቢራ ከምትሰርሕ ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምጥያሽ ምስ ሱዳንተ ተሓባቢራ ከምትሰርሕ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ይበልጣል ኣእምሮ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊን ህልውናን ኣመልኪቶም ምስ ቴሌቪዥን ኣል ዓረቢያ ፃንሒት ገይሮም፡፡

ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ዘለዉዎ ኣፈላላያት ንኽፈትሕ ዝቐረቡሉ ብዙሓት ኣማራፂታት ውድቂ ከምዝገበረ ኣብ ፃንሒቶም ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ሉኣላዊነት ሃገር ንምሕላው ናብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንኸኣቱ ከምዝተገደደ ኣብሪሆም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ እናካየዶ ዝፀንሐ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምዝተዛዘመ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣባላት እቲ ጉጅለ ጁንታ ናይ ምህዳን ተግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምህናፅነ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድሊዮም ወገናት ሓገዝ ምግባር ቀንዲ ትኹረት መንግስቲ ከምዝኾነ ምዝራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተመዛቢሎም ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስን ንምጥያሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሱዳንተ ተሓባቢሩ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.