Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመሮ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ቀንዲ ዕላምኡ ስግብግብ ጁንታ መቐለ ብሕጊ ተገዛኢ ንምግባርን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ምሕላውን ከምዝኾነ ቀ/ሚ ኣቢይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመሮ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ቀንዲ ዕላምኡ ስግብግብ ጁንታ መቐለ ብሕጊ ተገዛኢ ንምግባርን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ምሕላውን ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ዕላዊ ከምዝገበሩዎ፥ እቲ ስጉምቲ ልዕሊ ኩሉ ንሰፊሕ ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ስዒቡ፥ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝኾኑ ተጋሩ ኣብ መንነቶም መሰረት ዝገበረ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባር ግዳያት ከይኾኑ ናይ ምግባር ሓላፍነት ብኹሎም ኢትየጵያውያን ትኹረት ክግበር ከምዝግበኦ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.