Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸፈቶ ኲናት ንምክልኻል ዝገብሮ ሕጋዊ ስጉምቲ ንድግፍ – ጥምረት ሕብረት ሲቪክ ማሕበራት ሰሜን ኣሜሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸፈቶ ኲናት ንምክልኻል ዝገብሮ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝድግፍ ጥምረት ሕብረት ሲቪክ ማሕበራት ሰሜን ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ፡፡

ኣብ መግለፂኡ ድማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ፖለቲካዊ ለውጢታት ብዘይምቕባል ብህብረ ብሄራዊ ሓድነት ሓሳብ ዝመፅአ ለውጢ ብዘይምቕባል ጎደና ለውጢ እናተዓናቐፈ ምፅንሑ ኣልዒሉ፡፡

ለውጢ ካብ ምትዕንቓፍ ሓሊፉ እውን ዝሰኣኖ ናይ ምጩቋን ላዕለዋይነት ፖለቲካን ክምልስ ኢየ ብዝብል ከንቱ ትምኒት ተላዒሉ ብሕታዊ ሓላዊ ሃገርን ህዝቢን ንዝኾነ እዚ ሰሜን ብምጥቃዕ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ንውሽጣዊን ደጋዊን ሓደጋ ክትቃላዕ ክዝገበረ ኣብሪሁ፡፡

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝቐረበሉ ኣማራፂ ሰላም ብዘይ ምቕባል ሕዚ እውን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኲናት ከምዝኸፈተ ዝሓበረ መግለፂ እቲ ጥምረት፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸፈቶ ኲናት ንምክልኻል ዝገብሮ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.