መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላምን ምዕባለን እዚ ቀጣና ምስ ሩዋንዳ ዘለዎ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያና መሪሕ ፓርቲ ብልፅግና ንሰላምን ምዕባለን እዚ ቀጣና ምስ ሩዋንዳ ዘለዎ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ኣይተ ኣደም ኣብ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝኣተዉ ዋና ፀሓፊ ፓርቲ ግንባር ሃርበኛታት ሩዋንዳ ዌላጋስ ጋሳማጌራ ዘቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ፓርቲ ብልፅግና ንሰላምን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ጠመተ ብምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ኣብ ቀዳማይ ጉባኤኡ ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ብተግባር ከምዘርኣየ እወን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ስሉጥ ምዕባለ ኢኮኖሚ ከምዝኾነት ብምግላፅ፥ እቲ ፓርቲ ኣብ ቀዳማይ ጉባኤኡ ምስሳን ፍሪያት ክብ ንምባል ብመሰረት ዘቐመጦ ኣንፈት ኣብ ስርናይ፣ ፍራምረን ኣትክልቲን፣ ሩዝን ካልኦት ፍሪያታትን ምዕበባለ ከምዝተመዝገበ ኣብሪሆም።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደር ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 50 ከተማታት ይትግበር ከምዘሎ ብምሕባር፥ ልምዓት ኮሪደር ገፀር እውን ከምዝተጀመረ ገሊፆም።
መንግስቲ ንዓውዲታት ግብርና፣ ቱሪዝም፣ ኢንዱስትሪ፣ ዕደናን ዲጂታልን ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ሕቶ ለምዓት ዜጋታት የምልስ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ንክልቲኣዊ፣ቀጣናዊን ኣህጉራዊን ሰላምን ምዕባለን ብሓባር መስረሐን ኣጠናኺረን ክቕፅላ ኢየን ኢሎም።
ዌላርስ ጋሳማጌራ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነኣድ ጉዕዞ ለውጢ ከምዘላ ገሊፆም።
ፓርቲ ብልፅግና ንኢትዮጵያ ዘበርኹን ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፁን ተግባራት ብምፍፃም ዘመዝግቦ ዘሎ ዓወት እውን ንኢዶም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።