Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ንዕውትነት ሃገራዊ ዘተ ዘይተሓለለ ደገፉ ኣጠናኪሩ ክቕፅል ኢዩ – ኣይተ ተስፋዬ ቤልጅጌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ንዕውትነት ሃገራዊ ዘተ ዘይተሓለለ ደገፉ ኣጠናኪሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ዋና ተፀዋዒ ሚኒስትር መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ተስፋዬ ቤልጅጌ ገሊፆም።

ኣይተ ተስፋዬ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈቶ ስርዓታትቨ ምምሕዳር መንግስቲ ብሓደ ገፁ ብእወንታን ዝግለፁ ብኻሊእ ገፅ ድማ ክድገሙ ዘይግበኦም ግድፈታት ኣለዉ ኢሎም።

ቀፃልነት ዘለዎ ሀንፀት ሃገረ መንግስቲ ዘምህሩ ኩነታት ናይ ሓባር ንምግባር ጉድለታት ብሰላም፣ ዕርቂን ንምዕፃው ኮፍ ኢልካ ምዝታይ የድሊ ኢሎም።

ናይ ሐዚ ትውልዲ ፅባሕ ዝሓሸ ንምግባር ናይ ባዕሉ ታሪኽ በምፅሓፍ ብሄራዊ ምርድዳእ ንዝነገሳ ኢትዮጵያ ኣሰሩ ምንባር ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።

ብብርኪ መንግስቲ ዝተፈላለየ ቅዋም ዘለዎም ኩሎም ናይ ሓባር ቅዋም ዝሕዝሉ መድረኽ ንምፍጣር ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ በምጥያሽ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ከምዝገበረ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.