Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ንኢኮኖሚ ዝገብሮ ድጎማ ዝመርሐሉ ስርዓት እናሰናደአ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ንኢኮኖሚ ዝገብሮ ድጎማ ዝመርሐሉ ስርዓት እናሰናደአ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንዝሓለፉ ብዙሓት ዓማውቲ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ኣብ ድጎማ መንግስቲ ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ ይዝረብ።

መንግስቲ ካብ ነዳዲ ጀሚሩ መሰረታዊ ሸቐጣት ይኹኑ እቲ ኢኮኖሚ ብብዝሓት እናደጎመ ፀኒሑ ኢዩ።

ነቲ ኢኮኖሚ ምድጓም ንባዕሉ ፀገም ኣይኹን እምበር መንግስቲ ኣንፈት ትኹረቱ እንትቕየርን ሕፅረት በጀትን እንተጋጥሞ ብድጎማ ጠጠው ዝበለ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው እናተረኣየሉ ይርከብ።

እቲ ድጎማ ንባዕሉ ክድጎሙ ዝግበኦም ክፋላት ሕብረተሰብ ብመንፅር ኣብ ምሕጋዝ ትኽክለኛ ኣማራፂ ተገይሩ ከምዘይውሰድ እውን ሰብ ሞያ ቁጠባዊ ሃፍቲ ይገልፁ።

መንግስቲ ስርዓት ድጎማ ከስተኻኽል እንተዘይክኢሉ ብትኽክል ክርብሑ ዝግበኦም ኣካላት እንተይተጠቐሙ ከምዝተርፉ እውን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበራ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ተዛሪበን።

ዝግበሩ ድጎማታት ናብራ ንምርግጋእ ተሓሲቡ ይኹን እምበር ሕዚ እውን ኣብ መፅናዕቲ ዝተደረኸ ስለዘይኮነ ዝድለ ለውጢ ክመፅእ ኣይከኣለን ኢለን።

ነቲ ፀገም ንምፍታሕን እቲ ድጎማ ብትኽክል ናብ ዝተዓለመሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ንኽበፅሕ ዝኾነ ዓይነት መገዲ ምኽታል ይግባእ ኣብ ዝብል መንግስቲ መፅናዕቲ እናገበረን ኣሰራርሓታት እናፈለየ ከምዝኾነን ኢየን ዶክተር ፍፁም ዝሓበራ።

ብምኽንያት ድጎማ ዝመፅእ ምዝባዕ ኢኮኖሚ ንምስትኽኻል እቲ ኢኮኖሚ ብዕዳጋ ንኽምራሕ ምግባር መፍትሒ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒትር፥ ይኹን እምበር መንግስቲ ኣብዚ ንምብፃሕ ኣድለይቲ መደላድላት ኣብ ምፍጣር ከምዝሰርሕ ኣብሪሀን።

ብባህሩ ይድነቃቸው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.