Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ንተረባሕነት ጉዱኣት ኣካል ብትኹረት እናሰርሐ ይርከብ – ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ለውጢ መንግስቲ ተረባሕነት ጉዱኣት ኣካል ንምድንፋዕ ብትኹረት እናሰርሖ ዝርከብ ስራሕ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ርእሰ ምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ገሊፆም።

መዓልቲ ዓለም ለኸ ጉዱኣት ኣካል ኣብ ዓለም፥ ንመበል 30 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 29 ግዘ ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ተኸቢሩ፡፡

መሪሕነትን ተሳትፎን መሪሕነትን ጉዱኣት ኣካል ብምርግጋፅ መካተቲ፣ ተበፀሒን ዘላቒ ድሕረ ኮቪድ-19ን ዓለም ንህነፅ ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ተኸቢሩ ውዒሉ፡፡

ሚኒትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ ከምዝሓበረኦ፥ እቲ በዓል ኢትዮጵያ ኣብ ወፍሪ ህልውና ኮይና ዘኽበረቶ ምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ገሊፀን፡፡

ናይዚ ዓመት መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል እንትኽበር፥ ኢትዮጵያ ዘፅደቐቶም ዓለም ለኸን ሃገራዊን ኣዋጃት ናብ መሬት ወሪዶም ተግባራዊ ንኽኾኑ ምፅዓር ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ርእሰ ምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ብግደኦም፥ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተረባሕነት ጉዱኣት ኣካል ንምድንፋዕ ብትኹረት እናሰርሖ ዝርከብ ስራሕ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ተሳተፍቲ እቲ በዓል ጉዱኣት ኣካል እውን ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ንምድጋፍ ከምዝተዳለዉ ተዛሪቦም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት 27 ዓመት ሙሉእ ዓፋኒ ሕጊ ብምውፃእ ጉዱኣት ኣካል መተንፈሲ እናሰአነ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.