Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ንሰላም ዝኽፈል ዝኾነ ይኹን ዋጋ ንምኽፋል ድልዊ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ንሰላም ዝኾነ ይኹን ዋጋ ንምኽፋል ድልዊ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓለሎም ሕቶታት ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ መንግስቲ ኣብ ፅባሕ ለውጢ ንተቓወምቲ ፓርቲታት ፃውዒት ሰላም ምቕራቡ ኣዘኻኺሮም።

እዞ ድማ ኣብ ህንፀት ሃገር ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ገሊፆም።

ጫፍ ዝረገፁ ኣተሓሳስባታት ክተርፉ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣነ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕና ብምባልን ብምድማርን ብሓባር ንቐፅል ኢልና ኢና ኢሎም።

ዝኾነ ስራሕ እንተሰራሕና አውን ብብሄር ንከፋፈል አንተኾይንና ትርጉም ኣይብሉን፤ ነዚ እውን ምስካን የድሊ ኢሎም።

ሰላም ምስኣን ኣብ ኢትዮጵያ ሱር ዝሰደደ ሕማም ኢዩ፤ እዚ ንከይስፋሕፋሕ ብዘተ ደው ነብሎ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኢትየጵያ ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ጎንፅን ኲናትን ውሽጢ ሓሊፋ ኢያ፤ እዚ ናይ ምቅትታል ታሪክ ኣብ ናትና ትውልዲ ደው ክብል ይግባእ፤ መንግስቲ ንሰላም ዝኽፈል ዝኾነ ይኹን ዋጋ ንምኽፋል ድልዊ ኢ ኢሎም።

ብመሰረት ኣወቀ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.