Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ንምምይያጥን ንዘተን ድሉው ምዃኑ ደጋጊሙ ገሊፁ ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ተተሓሒዙ መንግስቲ ንምምይያጥ፣ ንዘተን ንዝርርብን ድሉው ምዃኑ ደጋጊሙ እናገለፀ ምፅንሑ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህር ዳር ”ሰላም ንኹሉ፤ ኩሉ ንሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኮንፈረንስ ሰላም ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ኮንፈረንስ÷ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ፋንቱ ተስፋዬን ሓዊሱ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ክልል ተሳቲፎም፡፡

ኣይ ኣረጋ ከበደ ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ “ህዝቢ እቲ ክልል ገመድ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝተበጠሱዎን ዝኸፍአ ጉድኣት ዝበፅሖን ከቢድ ግዘ እናሕለፈ ዝርከብ ብምዃኑ ዘዚ ሰላም ንምዕሳል ናይ ኩሉ ማሕበረሰብ ምትሕብባር የድሊ” ኢሎም።

ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ሰላም እውን ንሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ እቲ ክልል ይጠቅም ኢዩ ዝብሉዎ ሓሳብ ካብ ቤላቤሎ ብዝነፅሀ መገዲ ብምቕራብ ዘጋጠሞ ፀገም ስእነት ሰላም ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መፍትሒ መገዲታት ብዝእንፍት መገዲ ሰናይ ኣስተዋፅኦ ንኅገብሩ ሓቲቶም።

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ብግደኦም÷ ናይ ስርዓት ለውጢ ንኽመፅእ ህዝቢ ኣምሓራ ፅኑዕ ድሌት ከምዝነበሮን ለውጢ ከምዘዕወተን ብምሕባር፤ ሕዚ እውን ንሰላሙ ብምርብራብ ናብ ልምዓት ብሙሉእ ዓቕሙ ክምለስ ይግባእ ኢሎም።

“መንግስቲ ንምምይያጥ፣ ንምዝታይን ንምዝርራብን ድሉው ከምዝኾነ ደጋጊምና ተዛሪብና ኢና፤ ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ልዑል ሓላፍነት ኣለዎ” ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

እቲ ኮንፈረንስ ሰላም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታ እቲ ክልል ልዕሊ ትሽዓተ ግዘ እናተኻየደ ናይ ዝፀንሐ መዛዘሚ ኮንፈረንስ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ብደሳለኝ ቢራራ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.