Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ እናገበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፌዴራል ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ ኣድላዪ ሃናፂን ግደ እናተፃወተን ሓገዝ ንኽለኣኽ እናገበረን ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣድለይቲ ዝኾ ሓገዛት ምግቢን መድሓኒትን ብክልል ኣፋር ኣቢሉ ንኽበፅሕ ምቹው ኩነታት ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ሎሚ መዓልቲ ጥራሕ ቀረብ ምግቢ ዝሓዛ 20 ናይ ፅዕነት ተሸከርከርቲን ታንከራት ነዳዲ ዝሓዛ ሰለስተ ተሸከርከርቲን ካብ ሰመራ ናብ መቐለ ከምዝተጓዓዓዛ ገሊፁ።

ኣብቲ ክልል መሰረታዊ ሓገዛት ቀልጢፎም ንኽበፅሑ ንምግባር ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ በቢመዓልቲ 40 ተሸከርከርቲ ናብ ትግራይ ክጓዓዛ ከምዝግበር እውን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መግለፂ ከምዝተሓበረ፥ ካብ ትማሊ ጀሚሩ 17 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብሩ ትካላት ክታበት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣፋውስ፣ ናውቲ ሕክምናን ቀረብ ምግቢን ከጓዕዙ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊፁ።

ብመሰረት እዚ ካልኦት 11 መሓዙት ትካላት ሰብኣዊ ብፅዕነት ኣውሮፕላን 257 ሺሕን 192 ኪሎ ግራም መድሓኒት፣ ናውቲ ሕክምናን ቀረብ ምግቢን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ከምዘጓዓዙ ተገሊፁ።

ልዕሊ 700 ሺሕ ህዝቢ ክመዛበልን ብወገን ኣብዓላ ናብ መቐለ ዝግበር ጉዕዞ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ንኽቋረፅ ዝገበረ እውን ብክልል ዓፋር ዳግም ወራር ዘካየደ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዝኾነ ብግልፂ ክፍለጥ ይግባእ ክብል መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ ኣገንዚቡ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ነቲ ፀገም ብዝምጥን መልክዑ ነቲ ጉዳይ ትኹረት ገይሩ ክንቀሳቐስ ከምዝግባእ እውን ኣመልኪቱ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.