Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ ዓሊሙ ዝተናበበ ስጉምቲ ፖሊሲ ይወሰድ ኣሎ- ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ ዓሊሙ ዝተናበበ ስጉምቲ ፖሊሲ ገንዘብ፣ ፊስካልን ምስሳን ፍሪያትን ይወሰድ ኣሎ ክብሉ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ  ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ፀገማት ህዝቢ ካብ መንጎ ዝኾኑ ኢኮኖሚያዊ ዛዕባታት ሓደ ናህሪ ዋጋ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብፍላይ ኣብ ትሑት ናብራ ዝርከቡ ክፋላት ማሕበረሰብ ናይ ምዕዳግ ዓቕሞም ትሑት ብምዃኑ ናህሪ ዋጋ ብመሰረት ዝፈጥሮ ፅዕንቶ ተጎዳእቲ ኢዮም።

ስለዝኾነ መንግስቲ ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ ዓሊሙ ዝተናበበ ስጉምቲ ፖሊሲ ይወሰድ ከምዘሎ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

ትካላት ብትሑት ወፃኢ ቅልጣፈን ምህዞን ብምውሳኽ እወንታዊ ውፅኢት ዘለዎ መንቅስቓስ ይገብራ ከምዘላዋ ምግላፆም ግዚኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ብሄራዊ ባንኪ መመሓየሺ ፖሊሲ ገንዘብ ብምግባር ውሳነታት ከምዝተመሓላለፈ እውን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ብሄራዊ ባንኪ፥ መጠን ልቓሕ መንግስቲ ምግዳቡ፣ ዕብየት ልቓሕ ባንኪታት ካብ 14 ሚኢታዊ ንከይሓልፍ ምግባሩ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.