መንግስቲ ነቲ ዘጋጠመ ናህሪ ዋጋ ንምፍታሕ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን ኣንፈታት ስጉምቲ ንምውሳድ ዓሊሙ ይሰርሕ ኣሎ-ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ቀዳማይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 11 ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ።
እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼቡኡ፥ ረቂቕ በጀት 2015 ዓ.ም 786 ነጥቢ 61 ቢሊየን ብር ብዝርዝር ተዛቲዩ።
ካብ 2011 ክሳብ 2013 ዓ.ም ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ዓማውቲ ብማእኸላይ ብ7 ነጥቢ 1 ዕብየት ከምዘርኣየ በምግላፅ እዚ ካብ ትልሚ ንታሕቲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ ኢንቨስትመንት ድማ ኣብ 2011 ካብ ዝነበረ 35 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ እናቐነሰ ብምምፅኡ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ናብ 28 ከምዝወረደ ሓቢሮም።
ነብሲ ወከፍ እቶት ዜጋታት እንትረአ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ናብ 1 ሺሕን 92 ዶላር ክብ ከምዝበለ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኢኮኖሚ ኣብዘሓ ሃገራት ዓለም ከምዝቐነሰ ብምዝኽኻር፥ ቁፅረን ውሑድ ዘይኮና ሃገራት ድማ ኢኮኖሚያዊ ዕብየተን ትሕቲ ባዶ/ዜሮ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ምስ እዚ ብምንፅፃር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብመሰረት ዝተገበሩ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ ንዝነበሩ ፅዕንቶታትን ዕንቅፋታትን ብምፅዋር ዕብየት ኢኮኖሚ ንክረአ ምኽኣሉ ገሊፆም።
ብኻሊእ መዳይ ካብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ጀሚሩ ክሳብ 2014 በጀት ዓመት ኣብ ናህሪ ዋጋ በዓል ክልተ ኣሃዝ ዕብየት ብምርኣዩ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ፈተና ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ትግበራ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ዝተባባዕ ውፅኢት ዘይተርኣየሉ ጉዳይ ናህሪ ዋጋ ከምዝኾነ ኣይተ ኣሕመድ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ካብ ዝተርኣየ 10 ነጥቢ 4 ናህሪ ዋጋ ብተኸታታሊ ወሰኽ ብምርኣይ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2014 ዓ.ም 36 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ሓቢሮም።
እቲ ናይሪ ዋጋ ኣብ ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲታትን ዝተርኣየ እንትኸውን፥ መበገሲ ምኽኒያት እቲ ናህሪ ምስ ድልየትን ኣቕርቦትን ዝዛመዱ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ብብርኪ ዓለም ዋጋ ሸቐጣት ምውሳኽ ነቲ ናህሪ ዋጋ ከምዘበኣኣሶ ድማ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ መንግስቲ ነቲ ዘጋጠመ ናህሪ ዋጋ ንምፍታሕ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን ኣንፈታት ስጉምቲ ምስትኽካል ንምውሳድ ዓሊሙ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።
ነዚ ድማ ኣድላዪ ዝኾኑ ፖሊሲታት ፊስካልን ገንዘብን ከምኡ እውን ስርዓት ኣቕርቦትን ንግዲን ክፈትሑ ዝኽእሉ ዝተዋደዱ ስጉምቲታት ተግባራዊ ከምዝግበር ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምርግጋፅ ብዕቱብ ከምዝስራሕ እውን ሓቢሮም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።