መንግስቲ ቻይና ዜጋታቱ ኣብ ኢትዮጵያ ንክህውፁ ምኽረ ሓሳብ ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ቻይና ኣብ ዓለም ንሃወፅቲ ምቹኣት ካብ ዝኾኑ ከባቢታት፥ ኢትዮጵያ ሓንቲ ከምዝኾነት ገሊፁ።
እቲ ሚኒስቴር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ዜጋታቱ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ንክገብሩ ምኽረ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝገለፆም ዝርዝር ከባቢታት ዓለም፥ ብዝተፈላለዩ ኤጀንሲታት ኣቢሉ መርሃ ግብሪ ፈተነ ህወፃ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
እቲ መርሃ ገብሪ ቻይና ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዋ ምትሕብባርን ተሳትፎን ቱሪዝም ኣብ ምስፋሕ እወንታዊ ግደኡ ክብ ከምዘብሎ ገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።