Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ተሓታትነትን ፍትሒ ሽግግርን ንምንጋስ ይሰርሕ ኣሎ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ተሓታትነትን ፍትሒ ሽግግርን ንምንጋስ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣረጋጊፆም።

ኣይተ ደመቀ፥ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ቮልከር ተርክ ዘቲዮም።

መንግስቲ ተሓታትነትን ፍትሒ ሽግግርን ንምንጋስ ብኣብያተ ዕዮ ሚኒስቴር ዝምራሕ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ከምዘጣየሸ ምግላፆም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንምንጋስ ሽግግር  ፍትሒ ምትሕብባር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ምስ እቶም ኮሚሽነር ተላዚቦም።

እቶም ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።

ቤት ዕዮኦም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንምስራሕ ደልው ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ሰላም ንምንጋስ ዝግበር ፃዕሪ ቤት ዕዮኦም ከምዝድግፍ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.