Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ብኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ኣቢሉ ዝካየድ ፃዕሪ ሰላምይድግፍ ኢዩ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኢትዮጵያ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኦሊሴጉን ኣቢሉ ዝካየድ ፃዕሪ ሰላም ከምትድግፍ ኣረጋጊፆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፣ ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዎዬጋር ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ዘተኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ተግባራት እናወሰደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ከምዝተፈትሑ፣ ኣብ መላእ ሃገር ተነቢሩ ዝነበረ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝተለዓለን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ሃገር ለኸ ኮሚሽን ከምዝተጣየሸ ኣልዒሎም፡፡

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝነብሩ ዞጋታት ድሕንነት ንምፍጣር ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ንኽባፃሕ ንምግባር በይናዊ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ምግባሩ ኣብሪሆም።

ንኣብነት ድማ ናብ መቐለ ካብ ዝግበሩ ተኸታታሊ ዝኾነ በረራታት ሓገዝ ዝፀዓና ኣውሮፕላናት ብተወሳኺ ብኣተሓባበራይነት ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝንቀሳቐስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ናይ ትማሊ ሓዊሱ ሓገዝ ዝፅዕና ተሸከርከርቲ ምስ ነዳዲ ዝፀዓና ቦቴታት ናብ መቐለ እናተጓዛ ከምዝኾና ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ብንኮሌ ኣዲዎዬ ብግደኦም፥ ኣነብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ እናተወሰዱ ዝርከቡ ስጉምቲታት ብምንኣድ፤ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ከምዘምፅኡ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.