Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ስርዓት ዕዳጋ ነናይ ወፃኢ ኩባኒያታት ክፍቲ ከምዝገብር ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ስርዓት ዕዳጋ ከም ቴሌኮም ዝበሉ ዓውዲታት ንናይ ወፃኢ ኩባኒያታት ክፍቲ ከምዝገብር ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝ ተዛሪቦም።

በቢመዓልቲ ካብ ቁፅፅር ወፃእ እናኾነ ዝርከብ ናህሪ ዕዳጋ ንዕቤት ኢኮኖሚ ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ ገይሩዎ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ነዚ ድማ መንግስቲ ዓቢዪ ዕቤት ኢኮኖሚ ንኽፍጠር ብምግባር ናይ ዜጋታት ኣታዊ ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ኣማራፂታት ምሕሳብ የድሊ፤ ክሽዑ ግን ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ዝመፅአ ናህሪ ዕዳጋ ንምቁፅፃር ምኽንያቱ ብዝፈለየ መልክዑ መፍትሒ ንኽመፅእ ካብ መንግስቲ ትፅቢት ይግበር፡፡

ከም ገለፃ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝ፥ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዋጋ ፍርያት ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ከምዝመፅአ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዘሎ ናህሪ ዕዳጋ ቀዳማይ ምኽንያት እውን ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ዋገኦም ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ሸመትቲ ንኸዓርፍ ከምዝተገበረ ኢዩ፡፡

ናይ ሓደ ሓደ ፍርያታት ዋጋ ማለት እውን ኣብ ፍርያታት ሓጺን፣ ዘይቲ፣ ነዳዲን ካልኦትን ካብ ወፃ ዝኣትዉ ፍርያታት ዋገኦም ክሳብ ዕፅፊ ምውሳኽ ኣብ ሃገር ዘሎ ኩነታት ፀፅታ ኣብ ቀረብ ፍርያት ልዑል ምትእጉጓል ዝፈጠረን ኣብ ናሕሪ ዕዳጋ ዓቢዩ ፅልዋ ከምዘለዎን ኣብሪሆም፡፡

“ካሊእ መንግስቲ ወፃኢኡ እናሸፈነ ዝርከብ ፖሊሲ ገንዘብ እውን ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ፅዕንቶ ዝፈጥር ኢዩ፤ እቶም ኣብ ከይዲ እዋን እናስተኻኸልና ምኻድ እንድሕር ዘይክኢልና እናበኣሰ ክመፅ ይኽእል ኢዩ” ኢሎም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ድማ ስርዓት ዕዳጋ እታ ሃገር ብውሑዳት ጥራሕ ዝተትሓዘ ብምዃኑ፥ መንግስቲ ቅልጡፍ ምምሕያሽ ክገብር ከምዝገበሮ ተዛሪቦም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ስርዓት ዕዳጋ ንውድድር ክፍቲ ክግበር ኣለዎ ዝበሉ ዶክተር ኢዮብ፥ እቲ ዓውዲ ንውድድር ክፍቲ ምስኮነ 200 ሚኢታዊ እንተዘየትሪፉ ዘየትረፈ ዝመስሎ ነጋዳይ ናብ ቀልቡ ክምለስ ከምዝገብር ገሊጾም፡፡

ኢንዱስትሪ ቴሌኮም ንውድድር ከምዝኾነን ግዚኡ ሓሊዩ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ስርዓት ዕድጊት እታ ሃገር ዓለም ለኸ ኩባኒያታት ንግዲ ክፍቲ ከምዝግበር ኢዮም ዝሓበሩ።

ብባሃሩ ይድነቃቸው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.