መንግስቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ዘሎ መጠን ጉድኣት ዳህሳስ ይገብር ከምዘሎ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ካብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሙያ ዝተውፃእፅኡ ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ብምውፋር መጠን ጉድኣት ዳህሳስ ይገብር ከምዘሎ ገሊፁ።
ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ እዋናዊ ሓበሬታ፥ ኣብ ኣዋሳኒ ከባቢታት ክልል ዓፋር፣ ኦሮሚያን ኣምሓራን ማእኸሎም ብምግባር ዝተፈላለያ መጠን ዘለዎም ምንቅጥቃጣት መሬት ብተደጋጋሚ ምግጣሞም ይፍለጥ ኢሉ።
እቶም ምንቅጥቃጣት ካብ እዋን ናብ እዋን ብመጠንን ምድግጋምን ከብ እናበሉ ይርከቡ ዝበለ እቲ ኣገልግሎት፥ ብፍላይ ኣብዚ ሰሙን ክሳብ 5 ነጥቢ 8 ሬክተር ስኬል ዝተመዝገበ ምንቅጥቃጥ ከምዘጋጠመ ሓበሬታታት ከምዘረድኡ ሓቢሩ።
መንግስቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ካብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሙያ ዝተውፃእፅኡ ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ኣብ 12 ጣቢያታት እቲ ከባቢ ብምውፋር መጠን ጉድኣት ዳህሳስ ይገብር ከምዘሎ ገሊፁ።
ኣብቶም ከባቢታት ኣስታት 80 ሺሕ ዝኸውን ነባሪ ካብቲ ከባቢ ብምርሓቕ ንምስፋር ልዑል ርብርብ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።
ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ኣብ ዋና ዋና ከተማታት ርኡይ ፅዕንቶ ዘይበፅሐ እኳ እንተኾነ፥ ዜጋታት ብሰብሞያታት ዝወሃቡ መልእኽቲታት ጥንቃቐ ንክከታተሉን ንክትግብሩን ኣተሓሳሲቡ።