Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ምስ ዝናብ ክራማት ተዛሚዱ ንሓደጋታት ተቓላዒ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝነብሩ ዜጋታት ኣድላዪ ጥንቃቐ ንክገብሩ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ምስ ዝናብ ክራማት ተዛሚዱ ንሓደጋታት ተቓላዒ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝነብሩ ዜጋታት ኣድላዪ ጥንቃቐ ንክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ኣገልግግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ምስ ኣብ ክራማት ዘሎ ዝናብ ተዛሚዱ ኣብ ውሱናት ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬትን ምምላእ ማይን ምኽኒያት ሀይወት ብዙሓት ዜጋታት ሓሊፉ ኢዩ፤ ሓደጋ ጉድኣት ኣካልን ዕንወት ንብረትን እውን ኣጋጢሙ ኢዩ ኢሉ።

ትማሊ ምሸት ኣብ ክልል ሲዳማ ከባቢ ግሽሬ ጉዱ ሞና ሆሞ ብዝዘነበ ሓያል ዝናብ ምኽኒያት ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ህይወት 6 ሰባት ሓሊፉ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ሓደጋ ጉድኣት ኣካልን ዕንወት ንብረትን እውን ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።።

ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ዋግ ህምራ ብሄረሰብ ብጀልባ ሩባ ተከዘ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰባት ብምኽኒያት ምምላእ ማይ ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት ሰባት ጠፊኡ ኢዩ ኢሉ።

ብምዃኑ መንግስቲ ፌዴሪኢ ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝተሰመዖ ዓምዩቕ ሓዘን ገሊፁ። ንስድረኦም እውን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

ሕብረተሰብ እዚ እዋን ክራማት ምዃኑ ብምግንዛብ ንተመሳሰልቲ ሓደጋታት ተቓላዒ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝነብሩ ዜጋታት ኣድላዪ ጥንቃቐ ንክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.