Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ምስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንዝተሓባበሩ ኣካላት ናይ መወዳእታ መተሓሳሰቢ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ምስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንዝተሓባበሩ ኣካላት ናይ መወዳእታ መተሓሳሰቢ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

ሕገ መንግስቲን ካልኦት መሰረታዊ ሕጊታት እዛ ሃገርን ብምጥሓስ ኣብ ህወሓት ልዕልነት ዝሓዘ ጉጅለ፣ ኩርዓት ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይ ሓይሊ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ መንግስቲ ኣዘኻኺሩ።

ናይቲ መጥቃዕቲ ኣበጋሲ ዝኾነ እቲ ጉጅለ፥ ሰላም ሃገርን ሓድነት ህዝብታትን ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት እንትፍፅም ከምዝነበረ እውን ሓቢሩ።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብቐጥታን ተዘዋዋሪን ኣብ ዝፈፀሞም ተግባራት ጥፍኣት ምንጋዕ ሰላም፣ ሞት ዜጋታትን ምምዝባልን ከምኡውን ከባቢያዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ከምዝፀንሐ ሓቢሩ።

መንግስቲ ፌዴራል እቲ ዘጋጠመ ፀገም ብሰላም ንምፍታሕ ዘርኣዮ ትዕግስቲ ከም ድኽመት ብምሕሳብ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ናይ ምድፋር ገበን ከምዝፈፀመ እቲ መግለፂ ኣረዲኡ።

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈፀመ ልዑል መጥቃዕቲ ክሕለፍ ዘይኽእልን ህልውና ሃገር ዝፈታተንን ዓብዪ ገበን ኢዩ፤ እዚ ኩነታት መንግስቲ ግቡእ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ንክወስድ ዘገድድ ግልፂ ሓደጋ ዘርእይ ከምዝነበረ እውን ገሊፁ።

ከምዚ ዝበለ ፀገም እንተጋጥም መንግስቲ ሉእላውነት ሃገርን ድሕንነት ህዝብን ንምሕላው እንትብል ግቡእ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ናይ ምውሳድ ሞራልን ግድነት ሕጊን ከምዘለዎ እሙን ኢዩ ኢሉ።

እቲ ግዴታ ንምውፃእ ድማ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ሕጊ እዛ ሃገር ዝእዝዞ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣብሪሁ።

በቲ ስጉምቲ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንቀጠና ስግኣት ኮይኑ ዝፀንሐ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ልዑል ወተሃደራዊ ዓቕሙን ምድላዉን ከምዝተደምሰሰ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ቀንዲ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ፍርቆም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ናብ ሕጊ ከምዝቐረቡ ብምግላፅ፥ ዝተረፉ ድማ ዓቕሞምን ሓይሎምን ኣዝዩ ተዳኺሙ፣ ካብ ሕጊ ንምሕባእ ዝፍትኑ ዘለዉ ኢዮም ኢሉ።

ኣብቲ ክልል ብኣግባብ ሕገ መንግስቲን ብውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ጊዚያዊ ምምሕዳር ከምዝተጣየሸ ገሊፁ።

መንግስቲ ፌዴራል እውን እቲ ጥፍኣተኛ ጉጅለ ዝወለዖ ጎንፂ ስዒቡ ኣብቲ ክልል ዝበፅሐ ሰብኣዊን ንዋታዊን ጉድኣት መሊሱ እግሪ ንምትካል ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ።

እቲ መሊስካ እግሪ ናይ ምትካል ተግባር ናይ ኩሉ ሓገዝ ዝሓትት ኢዩ ዝበለ መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ነዚ ድማ መላእ ኢትዮጵያውያንን ዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብን ግደኦም ንክፍፅሙ ፃውዒት ምቕራቡ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ዘጋጠመ ሰብኣዊን ንዋታዊን ጉድኣት ንምቕናስን እቲ ክልል ዝሓሸ ምምሕዳርን ቁመና ልምዓትን ንክህልዎ ኣብ ምግባር ዘይትካእ ግደ ዘለዎምን ቀንዲ ተዋሳእቲን ናይቲ ክልል ተወለድቲ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኢዮም። ይኹን እንበር ካብቶም ዜጋታት ውሱናት ብፕሮፓጋንዳ ህወሓት ይኹን በቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣገዳድነት ምኽኒያት “ነፍጢ” ሒዞም ኣብ ሜዳ ክሳብ ምስላፍ ከምዝበፅሑ ገሊፁ።

እቶም ተወለድቲ ቀንዲ ሓንፀፅቲን ሰብ ዋናን እቲ ጥፍኣት ከምዘይኮኑ መንግስቲ ይርዳእ፤ ኣብ ምውራርን ስርቂን ተኻፈልቲ ዘይነበሩ፣ ሃገሮም ዝፈትዉ ተወለድቲ እቲ ክልል ብምልዕዓል እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ምስ መንግስቲ ተቓሪኖም፣ ኣፅዋር ተዓጢቖም ዝተሰለፉ ይኹኑ እምበር መንግስቲ ብትዕግስቲ ክሪኦ ከምዝግበኦ ኣሚኑ ኢዩ።

ስለዝኾነ ሓድነት ሃገር ንምጥንኻርን እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዘፍረሶም ናይ ሓባር ክብሪት፣ ሓድነትን መሰረተ ልምዓታትን መሊስካ ንምህናፅ ተሳትፎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ወሳኒ ከምዝኾነ እውን መንግስቲ የኣምን ኢሉ።

ብዘይካ ኣብቲ ዘይሕጋዊ መጥቃዕቲን ተመሳሰልቲ ዝኾኑ ተግባራት ገበንን ርኡይ ተሳትፎ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ በዚ መበገሲ ድማ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ካብ ዝወፅአሎምን ላዕለዎት ኣመራርሓታት ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ህወሓት፥ ካልኦት ዜጋታት ብዘይ ስግኣት ናብ ንቡር ሰላማዊ ናብረኦም ንኽምለሱ፤ እዚ ንምግባር ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብ መረበቶምን መንበሪ ገዝኦምን ተመሊሶም ናብ ሕብረተሰቦም ንኽፅምበሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

በዚ መገዲ ካብቲ ጉጅለ ጥፍኣት ተፈሊዮም ናብ ሰላማዊ ናብረኦም ዝምለሱ ዜጋታት እቲ ክልል፣ ዝኾነ ይኹን ተሓታትነት ሕጊ ብዘይብሉ፣ ካብ ጥፍኣት ተግባራት ተቖጢቦም፣ ናብ ስረሖምን ናብረኦምን ብሰላም ክዋፈሩ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ።

እቶም ዜጋታት ብፅቡቕ ኩነታት ብምቕባል ንኽተሓባበሩዎምን ዝተኽኣሎም ሓገዝ ንኽገብሩሎምን ንዝምልከቶም ኣካላት ፀፅታ፣ ትካላት ምምሕዳርን መኽበርቲ ሕጊን መምርሒ ተዋሂቡ ኢዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ኣካል እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ኮይኖም በቲ ዝተፈፀመ ገበን ልዑል ብፅሒት ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ፣ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝወፅአሎም ላዕለዎት ፖለቲካዊን ወታደራዊን ኣመራርሓታት፣ ብሰላም ኢዶም ንትካላት መኽበርቲ ሕጊ ንኽህቡ መንግስቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቶም ኣመራርሓታት ክሳብ ሕዚ ብዝበፅሐ ሃገራዊ ጥፍኣትን ጉድኣትን ተማሂሮም፣ ንባዕሎም ናብ ፍትሒ ብምቕራብ፣ ተወሳኺ ሃገራዊ ክሳራ ከይበፅሕን ብኸንቱ ደም ዜጋታት ከይፈስስን ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ንኽገብሩ እውን ፀዊዑ።

እዚ ዝገብሩ ላዕሎዎት ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ኣመራርሓታት ህወሓት፥ ንባዕሎም ካብ ዝኸፍአ መቕፃዕቲ፣ ንወገኖም ካብ ምጉስቛል ከድሕኑ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

እዚ ናይ መወዳእታ ፃውዒት ተጠቒሞም ንባዕሎም ናብ ፍትሒ ዘየቕርቡ ላዕለዎት ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን  ኣመራርሓታት እንተሃሊዮም ግን ሕጊ ንምኽባር እንትበሃል ብመሰረት ሕጊ ዝፈቕዶ ኹሉ ዓይነት መገዲ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ክፍፀም ኢዩ ኢሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.